Alasa ኣልዓሳ - New Ethiopian Tigrigna Film By Alem Fesseha 2016

Thanks! Share it with your friends!

You disliked this video. Thanks for the feedback!

Added by admin
3,377 Views
#ኣልዓሳ ውድባዊ ታሪኽ ፊልም ትግርኛ ካብ ሓቐኛ ታሪኽ ሓደ ስድራ ነበርቲ መቐለ እዩ ዝብገስ፡፡ እዚ ታሪኽ ኣብ ሓደ ገዛ ኣባል ስርዒት ህ.ወ.ሓ.ት ዘውጠንጥን እዩ፡፡ ነዚ ንምስራሕ ምስ ተሓሰበ ምስ ክልተ ክልተ የሕዋቱን ሓንቲ ሓፍቱን ዓሚቕ ምዝርራብ ተገይሩ ዝተሰርሐ እዩ፡፡ ታሪኽ እዚ ጅግናን ኣብ ስድርኡን ብፍላይ ድማ ኣብ ሓፍቱ ካድረታት ደርጊ ዘብፅሕዎ ዝነበሩ ግፍዒ ዘርኢ እዩ፡፡ ብዘይ ድልየታን ድልየት ቤተሰባን ብሓይልን ብምፍርራሕን ክምርዐዎ ዝህቅን ካድረን ንዐኣ ንምርካብ ነቶም ስድራን ብፍላይ ድማ ንሓዋ ብሓይሊ ኣሳቅዩ ከምዝረሸኖን ኣብ ኣደባባይ ዘርጊሑ ንወላዲኡ ናይ ዕድገት ብሕብረት ዝብሃል መጠቃ/ቅጫ ናይ ስዋ/ ክስንክታን ክስዕስዓን ዘገድድ ዝነበረ ታሪክ ሓደ ወያናይ ስድራ መበገሲ ተገይሩ ተሰሪሑ፡፡

ኣብቲ ታሪኽ ውስን ምምዕርራይ ተገይሩሉ ኣሎ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ሓቐኛ ታሪኽ ሓፍቲ እቲ ስርዒት ነቲ ሓዋ ዝቐተለላ ተመርዕያ 2 ወርሒ ፀኒሓ ሓንቲ ቆልዓ እውን ወሊዳትሉ እያ፡፡ ኣብዚኣ ሙሉእ ፍቃድ እውን ምስ ዘይምንባራ ክትምርዐዎ ኣይገበርኩን ፡፡
ኣልዓሳ ግን እቲ ቦታ ታሪኻዊ ቦታ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንመጀመርያ ግዘ ነፈርቲ ደርጊ ዝደብደብኦን ሓያል ኵናት ዝተኻየደሉን ክልዓልን ክዝከርን ዝግብኦ ታሪኻዊ ቦታ ምስ ምዃኑ እቲ ፊልሚ ኣብቲ ቦታ ክስራሕን ንዐኡ መዘከርታ ክኸውን ተሓሲቡ እቲ ሽም ፊልሚ እውን ኣልዓሳ ክንብሎ መሪፅና፡፡ እምበር ኣብ ኣልዓሳ ዝነበረ ታሪኽ ንምርኣይ ዝተበገስና ኣይኮናን፡፡ መበገሲና ናይ ሓደ ኣባል ስርዒት ከተማ መቐለ እዩ መንቐሊ ሓሳብና፡፡
ኣለም ፍስሃ
ደራሲ ፊልም ኣልዓሳ
subscribe here: https://www.youtube.com/channel/UCPnjFl3q_YtNbxENuvvkz0g
© HaHu Entertainment. Unauthorized use of this copyrighted work is strictly prohibited.
Follow us @ Facebook https://www.facebook.com/Playtigrigna
Category
TV Drama

Post your comment

Comments

Be the first to comment